ክብርቲ
ሰላም ክትህልዊ ተስፋ ይገብር፣
ጠፊእ፣ ይርደኣኒ። ብዙሕ ንጥፈታት ከካይድ ጸኒሐ፣ ምስኡ ከኣኒ ሓደ ሓደ ናይ ሂወት ብድሆታት። ብድሆታት ኣይጽልኡን እዮም፣ የትርሩና እምበር፣ ኣየሕምቑናን። ስለ ዝኾነ ከኣ፣ ኩላትና በብዘለናዮ፣ ብድሆታት ክንምክት፣ ሃጎስና ድማ ክንጽብጽብ ተስፋይ እዩ።
ድሮ ጥሪ ተዛዚማስ፣ ለካቲት ኣቲና። እንተኾነ፣ ‘ክምብል ኢሉ እምበር ኣይተኻዐወን’ ከም ዝበሃል፣ርሑስ ሓድሽ ዓመት ክምነየልኪ ኣፍቕድለይ። ዓመተ ሓጎስን ጥዕናን ይግበረልና።
ኣብ 2024 ቡዙሕ ክንነጥፍ ኢና፣ ዝተፈላልዩ ፕሮጀክትታትን፣ ኣስተምህሮን ሒዝና ዉን ክንቐርብ ኢና። እቲ ናይ 6 ሰሙን ናይ ጥዕና ኮርስ እዉን ኣጥቢቅና ንሰርሐሉ ከም ዘለና ክሕብር ይፈቱ።
On a positive note, our website is ready, click here to check us out.
ኣብ ዝቕጽል የራኽበና።
ምሕረት
0 comments