እንኳዕ ብደሓን መጻእኩም - A Warm Welcome by Mihret

All issues

ቆርበትን፣ ክንክን ቆርበትን

ሰላም ,


ብዛዕባ ኽንክን ቈርበት እንድሕር ክንዛረብ ኮይና፣ ሓደ ኣቀራርባ ንኩላህና ይሰማማዕ ማለት ኣይኮነን። ቈርበት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ፣ ነቲ ፍሉይ ባህርያቱ ተረዲእና ድማ ዝግብኦን ድሰማመዕን ክንክን ክንገብረልሉ ይግባእ። እምበኣርክስ፣ እቶም ዝተፈላለዩ ዓይነት ቆርበት እንታይ ይመስሉ ንተዓዘብ።


1.    ንቡር ቆርበት (Normal Skin)

እዚ ዓይነት ቆርበት ዝተመጣጠነ ትሕዝቶ ቕብኣት ዘለዎ ኮይኑ ንቑጽ’ዉን ኣይኮነን። መናፊት ናይቲ ቆርበት ኣዝዮም ምጡናት ኮይኖም፣ ልስሉሳት ከም ላስቲክ ተመጠጥቲ፣ ልሙጽ፣ ወዝ ዘለዎምን ኣዝዮም ሰሓብትን እዮም።

2.    ንቁጽ ቆርበት (Dry Skin)

እዚ ዓይነት ቆርበት ብዙሕ ቅብኣትን ጠልን ዘይብሉን ኮይኑ ኣዝዩ ድርቅ ዝበለ እዩ። ብፍላይ ምስ ምቅይያር ሙቀትን፣ ዳህርን ኣዝዩ ተነቃፊ ይኽዉን፣ ከምኡ ዉን ኣዚ ዓይነት ቆርበት ፋሕሻዉ፣ እሱር፣ ትቐራፋይ፣ ንቑጽን፣ ጭምድድ ዝበለን እዩ።

ሳሙናን ትሕዝቶ ኣልኮል ዘለዎ ዝልከ ነገራት ነዚ ዓይነት ቆርቦት መሊሱ ስለ ዘድርቖ ኣይሰማመዕን እዩ። ከምዚ ዓይነት ቆርቦት ዘለዎ ሰብ ቀጻሊ ንቆርበት ጠሊ ዝህብ ዝልከን ማይን ከዘውትር ኣለዎ።

3.    ቅባኣት ዘለዎ ቆርበት (Oily Skin)

እዚ ዓይነት ቆርበት ብዙሕ ቅብኣት ስለ ዘፍሪ፣ ቆርበትና ኣዝዩ ኣንጸባራቂ እዩ። ብ ኢድና ገጽና ምስ እንትንክፍ ው፣ ቅብኣት ክንጽየቅ ንኽእል። መናፊት ቆርቦት ኣዝዮም ገፋሕቲ እዮም። ብተወሳኺ ብሰንኪ ብዙሕ ምፍራይ ቅብኣት ቆርቦትና ንፈጸጋ ዝተቃለዕ እዩ። ከምዚ ዓይነት ቆርበት ዘለና ሰባት፣ ኩሉ ግዝየ ቆርበትና ብግቡእ ከነጽርዮ ኣለና፣ ግን ጭናን ሕብርን ዘለዎ መጽረዪ ክንጥቀም የብልናን።

4.    ናይ ደረቕን፣ ቅብኣትን ሕዉስዋስ ቆርበት (Combination Skin)

እዚኦም ኣይነት ቆርበት ኣብ ግንባርናን ኣፍንጫናን መንከስናን ቅብኣት ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ከባቢ ምዕጉርትናን ከባቢ ዓይንናን ግና ንቡር ወይ ድማ ድርቅ ዝበለ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ቆርቦት ሓደ ሓደ ግዝየ ኣብ ግንባርናን መንከስናን ፈጸጋ ናይ ምርኣይ ተኽእሎ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዓይነት ቆርበት ይዉንኑ።

5.    ተነቃፊ ቆርበት (Sensitive Skin)

እዚ ዓይነት ቆርበት ብክረማታት፣ ኣመጋግባን ኩነታት ኣየርን ኣዝዩ ተነቃፊ እዩ። ከም ሳዕብየኑ ከኣ ሰሓ ይገብር፣        ቆርበት ከምዚ ዝነደደ በርበረ ይመስል፣ ቀጭ ቀጭ የብል። ከምዚ ዓይነት ቆርበት ዘለዎም ሰባት። ተነቃፊ ቆርበት ዘለዎም ሰባት ኣዝዮም ሓደሽቲ ክረይማታት ከተኣታትዉ ኢንከለዉ ኣዝዮም ክትንቀቁ ኣለዎም። ዝኾነ ጨና ዘለዎ ፍርያት ጽባቀ ዉን ከወግዱ ኣለዎም።  


ኣብ መደምደምታ፣ ቈርበት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍሉይ ምዃኑ ኸነስተብህለሉ ዘሎና ጕዳይ ኮይኑ ከም ባኣል ዕድመ፣ ኵነታት ኣየር፣ ሆርሞንስ፣ ከምኡውን ኣነባብራ ዝኣመሰለ ረቛሒታት ምስ ግዜ ዓይነት ቈርበት ክቕየር ይኽእል ኢዩ።


እንታይ ዓይነት ቆርበት ኣለና ንፈልጥ ዶ?


ኣብ ዝቕጽል መዓልትታት፣ ዓይነት ቆርበትና ከመይ ገርና ንምርምር ዝብል ክፋል ሒዘ ክምለሰኩም እየ።




Hello ,


Skin can be categorized into various types based on its characteristics, behavior, and appearance. Here are five common types of skin:


1.    Normal Skin: Normal skin is well-balanced and doesn't exhibit excessive dryness, oiliness, or sensitivity. It has a smooth texture, even tone, and small pores. People with normal skin tend to have fewer skin problems and blemishes.

2.    Oily Skin: Oily skin is characterized by overactive sebaceous glands that produce excess oil, also known as sebum. This leads to a shiny complexion, enlarged pores, and a tendency for acne and blackheads to develop. Managing excess oil production and maintaining cleanliness are important for those with oily skin.

3.    Dry Skin: Dry skin lacks sufficient moisture and may feel tight, flaky, or rough. It can be more prone to fine lines, wrinkles, and sensitivity. Adequate hydration through moisturizers and gentle skincare products is crucial for individuals with dry skin.

4.    Combination Skin: Combination skin is a mix of different skin types on different areas of the face. Typically, the T-zone (forehead, nose, and chin) is oilier, while the cheeks may be normal or dry. This type of skin requires a balanced skincare routine that addresses both oiliness and dryness.

5.    Sensitive Skin: Sensitive skin is prone to reacting negatively to various skincare products, environmental factors, or allergens. It can manifest as redness, itching, burning, or stinging. Individuals with sensitive skin need to be cautious when introducing new products and should opt for gentle, fragrance-free formulations.


It's important to note that everyone's skin is unique, and skin type can change over time due to factors such as age, weather, hormones, and lifestyle.


What is your skin type?


In the next article, We will explore ways to find and understand our skin type.

Stay tuned :)


ምሕረት - Mihret

Top of Form

 

 

Share
Get the next issue in your inbox
Free, and you can unsubscribe any time.

0 comments

More issues

All 24 →
#8 Aug 15, 2023

ኣበይ ኢና ንርከብ - Where to find us

Read issue →
#7 Aug 14, 2023

ከመይ ትኾኑ

Read issue →