ዝኸበርኪ ,
ኣብ’ዚ ንጥዕና ኣመልኪቱ ዝወሃብ ትምህርታዊ ኮርስ ተገዳስነት ብምርኣይኪ ብልቢ ነመስግን! ኣካል ናይ’ዚ ኮሙኒትና/ማሕበረ-ሰብና ብምዃንኪ ከኣ ባህታና ልዑል’ዩ። ነዚ ናይ ለውጢ ጉዕዞ ሓቢርና ንብገሶ ምህላውና እውን ሕጉሳት ኢና።
ድልየትኪ ብምምዝጋብ ጥራይ፡ ብቐጥታ፡ ናይ’ቲ ን6 ሰሙናት ዝወሃብ፡ ናይ ስልጠና መደባት ብነጻ ክትመሃሪ ተዓወትቲ ኮይንኪ ኣለኺ እሞ፣ እንኳዕ ሓጎሰኪ።
ኣብ’ዚ ሰፊሕ ስልጠና/ትምህርታዊ ኮርስ፡ ነቶም ኣገደስቲ ዝበሃሉ መሰረታውያን ኣርእስትታት ናይ ዝተመጣጠነ ቅዲ-ኣነባብራ ክንሽፍን ኢና።
መትከላት ባህርያዊ-መንገዲ ኣመጋግባ፡ ምንቅስቓስ፡ ምቁጽጻር ጸቕጢ፡ ክኢላዊ ኣጠማምታ ኣብ ጒዳይ ጥዕና ደቀ-ንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ካልእን ከነተኲር ኢና። ብሓፈሻኡ፡ ትምህርትና ኣብ ህይወትና ዘድሊ ኣዎንታዊ ለውጢ ንኸነምጽእ፡ እቲ ዘድሊ ሓይሊ-ፍልጠትን መሳርሕን ንምዕጣቕ ዝዓለመ’ዩ።
ኣብ’ዚ ስልጠና ብምምዝጋብኪ ጥራይ፡ ኣብ ጥዕናኺ ኣብ ትወስድዮ ወፍሪ እታ ቀዳመይቲ ዓባይ ስጒምቲ እያ። ነባሪ ለውጢ’ውን ከተረጋግጺ ኢኺ። እቶም ምኲራት ናይ ጥዕና ኣሰልጠንትና እውን፡ ንነብሲ-ወከፍ ስጒምቲ ብብቕዓትን ብተወፋይነት ንኸሳልይዂም ድልዋት ኣለዉ።
እዚ ስልጠና ካብ 23/10/2023 ስጋብ 01/12/2023 ክወሃብ’ዩ፣
ኣብ’ዚ እንተ ሓቢርክና፡ ብዙሕ ኣወንታዊ ህይወት ንክንመርሕ ዝሕግዙና ብልሓታት ክንረክብ ኢና። ብዙሓት ዝተመሳሰለ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት እውን ክንላለ ኢና። ሓደ ምስዞም ሰባት ሓሳባትና እንለዋወጥሉ ናይ ፌይስ-ቡክ ድሕረ-ገጽ እውን ብብሕቲ ክወሃበና’ዩ።
ተሳታፍነትክን ቦታኽን ከተውሕሲ ናብ [email protected] ኢመይል ለኣኽልና. ዝኾነ ሕቶ ወይ’ውን ርእይቶ እንተሃልዩ ዉን፣ ንኽትጽሕፍልና ኣይትጠራጠሪ። ብትግርኛን ብ ኣንግሊዘኛን ክንምልስ ከምንኽእል፣ ክንሕብር ንፈቱ
Follow us on:
FB: Click here
ደጊምና፡ እንቋዕ ናብ ‘ምሕረት’ና (Mihret’na) ናይ 6 ሰሙናት፡ ናይ ጥዕና ስልጠና መደብ” ብደሓን መጻእኩም ንብል።
ምስምዉቕ ሰላምታ!
ምሕረት
0 comments